.
- Followers
- 41.4M
- Likes
- 445.4M
- Views
- 82.4M
- Engage
- 97.8%
@king66.6
Oasis@ is a TikTok creator in Sweden with 19.3K followers and 383.4K likes. Their videos average 71.5K views, an engagement rate of 1.4%. Most-used hashtags: #eritrea, #worldcup and #ballondor.
https://apply.internationalimpactbookawards.com/public-voting-form?fbclid=IwVERDUAPukGRleHRuA2FlbQIxMQBzcnRjBmFwcF9pZAo2NjI4NTY4Mzc5AAEesqF1vIzK2wvrtS6F-faM8goYvj8gZyFbx7Yd-HiBgwMYs50EsnthetWrorM_aem_KhDGAtEqZkwrkaxxScCm8AEstimated rate per sponsored post: $95 to $475, based on roughly $5 to $25 per 1,000 followers. This is an estimate from audience size, not reported income.
Last updated:
Latest video: 2026-10-24
ብስድራ ዝተመርዓኻያ ድንግል ምስ ዘይትኸውን… 3ይ ክፋልን መወዳእታን ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኤ ንፋስ ክወቕዓኒ ከሎ ነጻ ዝወጻእኩ መሲሉኒ ነይሩ። እቶም ‘ኣዕሩኽተይ’ ዝብሎም ዝነበርኩ ጠለምቲ ሰባት ክሲ ስለ ዘይመስረቱለይ ጥራሕ እየ ተፈቲሐ! ምናልባት ንሳቶም እውን እቲ ዝገበርዎ ሕልናኦም ረቢሽዎም ይኸውን፣ ወይ ድማ ጉዳዮም ተሓቢኡ ክተርፍ ስለ ዝደለዩ: ኣይፈልጥን ግን ክሲ ክምስርቱ ኣይደለዩን ነይሮም። ህይወቶም ከም ዝተረፈት ምስ ሰማዕኩ ግን ኣብ ክንዲ ዝሕጎስ፣ ሓደ ዓቢ ጭንቀት ኣብ ውሽጠይ ክፍጠር ጀመረ። ዋላ እኳ ካብ ቤት ማእሰርቲ ነጻ እንተወጻእኹ፡ እቲ ናይ ብሓቂ ቤት ማእሰርቲ ግን ነጻ ምስ ወጻእኹ እዩ ተጀሚሩ። ስጋይ ካብ ፖሊስ መደበር ወጺኡ ክንሱ ግን መንፈሰይ ብናይ ጭንቀት፣ ጥርጣረ ሰንሰለት ተኣስረ! እቲ ቅድሚ ሰሙን ‘ገነት’ መሲሉ ዝረኣየኒ ነበረ ሓዳረይን ቤተይን፣ ሕጂ ከም ሃልሃልታ ገሃነም ኮይኑ ተሰምዓኒ። ናብ ገዛይ ክኣቱ ከለኹ ናይ ቀደም ሰላምን ሓጎስን ኣይነበረን። ንሕልና ክርእያ ከለኹ፡ እቶም ክልተ መታዕብይተይ፣ እቶም ዝጠለሙኒ ኣዕሩኽተይ ዝነገሩኒ ዛንታ እዩ ኣብ ኣእምሮይ ዝሰኣል። ቤተሰበይ ብዛዕባቲ ማእሰርቲ ምስ ሓተቱኒ፣ እቲ ዘባኣሰና ጉዳይ ካብ ስሩ ተዛሪበ፡ ንሕልና ክትዋረድ ኣይደለኹን! ‘ናይ መስተ ነገር እዩ!’ ኢለ ጥራይ ብሓሶት ሸፈንክዎ። ንሕልና ግን ክሓብኣላ ኣይከኣልኩን። ንሳ እኮ መደቅስተይ፣ መኻፍልቲ ምስጢረይን መኻይዲ ህይወተይን እያ ሓቀይ፡ ስለዚ ድማ እቲ ሓቂ ተዛሪበ ቁርጸይ ክፈልጥ ወሰንኩ! ምሸት ኣብ ዓራትና ግድም ኢልና እቲ ጸጥታ ኣዝዩ ረዚን ነበረ። ውሽጠይ ዝበልዐኒ ዝነበረ ከም ሓዊ ዘቃጽል ስምዒት ክዓግቶ ኣይከኣልኩን! ንሕልና ድማ እቲ ዝኾነ ብግልጺ ከዕልላ ጀመርኩ። “ሕልና ምስ ኣዕርኹተይ ዘባእሰና ጉዳይ ናይ መስተ ወይ ስኽራን ጥራይ ኣይነበረን። እቲ ሓቂ እዚ እዩ፡ ምስ ድንግልናኺ ከም ዝረኸብኩኺ እንክዛረቦም ብላግጺ ሰሓቁኒ: ቀጺሎም ክልቴኦም ምሳኺ ሕሉፍ ዛንታ ከም ዝነበሮም ማለት በብግዚኦም ምሳኺ ከም ዝደቀሱ ነጊረሙኒ። ኣነ ድማ ስምዒተይ ክቆጻጸሮ ስለ ዘይከኣልኩ ሃሪመዮም በቃ እዚ እዩ!” ኢለ እቲ ምስ ኣዕርኹተይ ዘጋጠመ ብዝርዝር ነገርክዎ። ሕልና እናነበዐት ትሰምዐኒ ነይራ፡ “ሚኪ” በለትኒ ብትሑት ድምጻ “እዚ ትብሎ ዘለኻ ሓሶት እዩ! ሰብ ግን መዓረ ክንደይ እዩ ጨኪኑ? እንታይ ክረኽቡ ከምዚ ጌሮም!” ኢላ ቅድሚ ካልእ ቃል ምውጻኣ፣ ንብዓት ካብ ኣዒንታ ወሓዘ። ኣነ ደንጺውኒ፡ እንታይ ክትብል ደልያ እዩ ብምባል ስቕ ኢለ ጥራይ ክሳብ ትዛረብ ይጽበያ። ሕልና ካብ ዓራት ተላዒላ ኮፍ በለት። ኣዒንታ ብንብዓት ተሓጺበን ብልጭልጭ እናበላ፡ “ሚኪ እዞም ክልተ ኣዕርኽትኻ ሰማይ መሬትን ዘላግቡ ሓሳውቲ እዮም። ኣነ ይትረፍ እሞ ምስኦም ሕሉፍ ህይወት ክህልወኒ፡ ኣብዚ ኣብ መርዓና እየ ተላልየዮም። ግን ንሙዑዝ ከም ዓርኪ ኪዳንና መጠን ንዓኻ ክነግረካ ዘይከኣልኩ ምስጢር ነጊረዮ ነይረ!” በለትኒ እዚ ምስ ሰማዕኹ ሰንቢደ፡ “እንታይ? ናይምንታይ ሚስጢር?” በልኩዋ ሕልና ንብዓታ ከም ሓዲሽ ኣብ ገጻ ዘረር እናበለ፡ “እታ ናይ መጀመርታ ምሸትና ትዝ ትብለካ ዶ? እታ ብፍቕሪ ተሓቚፍና ዝሓደርናላ?” ኢላ ምስ ሓተተትኒ ርእሰይ ምንቅናቕ ምስ ምስ መለስኩላ ቀጸለት። “በታ ምሸት እቲኣ፣ ኣነ ድንግል እየ ነይረ። ግን... ግን ደም ኣይወጽኣንን። እዚ ድማ ንዓይ ዓቢ ጭንቀት እዩ ነይሩ። ንዓኻ ከይነግረካ፡ ከምዚ ምስምስ ዝፈጥር ዘለኾ መሲልካ ‘ኣይትኣምነንን ትኸውን’ ኢለ ስለዝፈርሃኩ ስቕ ኢለ ነይረ። ድሓር ግን ንዓርኪ ኪዳንና ንመዑዝ ኣማኺረዮ። ‘መዑዝ ሓወይ ድንግል ክንሰይ ግን ደም ኣየረኣኹን፣ እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን? ንሚኪ ከመይ ጌረ ከረድኦ? በጃኻ ሚኪ ምናልባት እንተሓቲትካ እቲ ሓቂ መስክረለይ፡ ኣርደአለይ’ ኢለ ብንጹህ ልቢ ኣሚነዮ ነጊረዮ ነይረ። እምበር ምስኣቶም ዝኾነ ነገር ኣይብለይን! እመነኒ ሚኪ!” ኢላ ሕልና ኣምሪራ በኸየት! ብድሕሪ እዚ ኩሉ ነገር በርሀለይ! መዑዝን ክብሮምን ነቲ ምስጢር ሒዞም ከም ዝተሳለቁለይ ተረደአኒ። ካብ ዝተገደምኩሉ ተንሲኤ ሓቚፍዋ። “ሕልና ይኣምነኪ እየ! እቲ ደም ምፍሳስን ዘይምፍሳስን ንዓይ ትርጉም ኣይነበሮን። እቲ ንዓይ ዘገድሰኒ እቲ ናይ ልብኺ ንጽህና እዩ። ንሳቶም ንዓኺ ንምውራድ ዘይኮነስ፣ ንዓይ ንምጉዳእ እዮም ተበጊሶም: ግን ኣይሰለጦም!” ኢለ ንብዓታ ሓቢሰ ኣጥብቕ ኣቢለ ሓቆፍኩዋ! ኣብ መንጎ ክልቴኤና ተሓሲቡ ዝነበረ ሕማቕ ሳላ ክልቴኤና ብግልጺ ዝተዘራረብና ወዲኡ ክብርዕን ከሎ ካብቲ ጭንቀት ወጺኢና ከም ቀደምና ሕጉሳት ክንከውን ጀመርና። ሓደ ድሕሪ ፋዱስ ክብሮምን ሙዑዝን ናብ ገዛና መጺኦም ኣብ ቅድሚትና ጠጠው በሉ። ገጾም ብሓዘን ተሸፊኑ፣ ኣዒንቶም ድማ ብሕንከት ናብ መሬት ተደፊኤን ነበራ። እቶም ትማሊ ብጥልመት ዝተሳለቑ፣ ብጣዕሳ ተዋሒጦም ናብ ገዛና መጺኦም ነበሩ። “ሚኪ፣ ሕልና” በለ ሙዑዝ ድምጹ እናተንቀጥቀጠ “እቲ ዝገበርናዮ ግፍዒ፣ እቲ ቅንኢ ዝወለዶ እከይ ተግባርና ዋጋ ኣኽፊልና እዩ። ሚኪ ስለ ዝበለጽካና፣ ናትካ ጽቡቕ ብምብዝሑ ኣብ ውሽጥና ናይ ቅንኢ ሓዊ ይነድደና ነይሩ። ሕልና ብንጽህ ልቢ እኳ እንተኣመነትኒ ኣነ ግን ብክፉእ ጥልመት መሊሰላ! ይቅርታ ግበሩልና!” ኢሎም ክልቲኦም ብሓደ ግዜ ኤብ ኣብ ባይታ ተንበርከኹ። እንታይ ከም ዝብል ሓርቢቱኒ ስቕ ኢለ ክጥምቶም ሕልና ብኢዳ ትንክፍ ኣቢላ፣ ብኣዒንታ ‘ተንስኡ በሎም’ በለትኒ። “ኣዕርኽተይ፣ መታዕቢተይ ኢኹም! እንኳዕ በደልኩም ተረደኣኩም እምበር ይቕሬታኩም ተቐቢለዮ እየ ተንስኡ!” በልኩዎም። ክልቲኦም ተንሲኦም እናተሓጎሱ በቢተራ ሓቆፉና። እቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜይ ኣዝዩ ቀልጢፉ ሓለፈ። ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ተመለስኩ፡ ሕልና ነፍሰ-ጾር ምኳና ኣበሰረትኒ። ወርሓት ሓሊፉ፣ ሕልና ጽቡቕ ወዲ ብሰላም ወለደት። ግን ሕጂ እውን እቲ ናብ ዘለኽዎ ዓዲ ናይ ዘይምምጻእ ሓሳባ ኣይቀየረትን። ናብ ዓዲ እንግሊዝ ወጻኢ ክትመጽእ ክሓታ ከለኹ፡ “ሚኪ፣ ንዓይ ኣብዚ ዓዲ እዚ እዩ ዘሎ መጻእየይ። ኣብ ውሽጢ ስድራይ፣ ኣብቲ ዝዓበኹሉ ከባቢ ክነብር እምበር ክሰደድ ድሌት የብለይን!” ኢላ ብግልጺ ትምልሰለይ! ነቲ ዘይልወጥ መትከል ሓሳባ ምስ ፈለጥኩ፡ ኣነ እውን ናብ ዓደይ ክምለስ ከም ዘለኒ ወሰንኩ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ጠቂለለ ናብ ዓደይ ተመሊሰ ኣተኹ። ኣብቲ ዓዲ ሓደ ትካል ከፊትና ድማ ናብራና ክንመርሕ ጀመርና። ሕጂ ኣዕርኽቲ ኣይነበሩንን። ግን ዓርኪ የብለይን ኢለ ኣይጭነቕን። ሕልና ሰበይተይን ናታን ወደይን እዮም ኣዕርኽተይን ፈትውተይን! እቲ ዝዓበየ ዓወት ካብቲ ናይ ስደት ማዕበል ወጺኢካ፣ ኣብ ዓዲኻ ተመሊስካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ህይወት ምህናጽ እዩ! ተፈጸመ!
ንቃዛፊ ቀቲሎምዎ... ንራእይ ኣፍሪቃ ግን ክቐትልዎ ኣይከኣሉን!" (15 ዓመታት ድሕሪ ዘስካሕክሕ ቅትለት ሙዓመር ቃዛፊ) 🌍✊🏾 ሎሚ 20 ጥቅምቲ 2026፡ ካብቲ ኔቶ (NATO) ኣብ ሊብያ ብዝገበሮ ወተሃደራዊ ጣልቃ ምእታው፡ ሙዓመር ቃዛፊ ኣብ ከተማ ሲርተ ዝተሰውኣሉ (ዝተቐተለሉ) መበል 15 ዓመት ይዝከር ኣሎ። 📌 ጽማቝ ትሕዝቶ ናይዚ ታሪኻዊ ዕለት፦ 1️⃣ ቃዛፊ መራሒ ሊብያ ጥራይ ኣይነበረን፦ ንሱ ንሓርነት፡ ሓድነትን ናጽነትን ኣፍሪቃ ዝቃለስ ዝነበረ ቀንዲ ሞተር እዩ ነይሩ። "ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ጸጋታታን ቁጠባኣን ምሉእ ቁጽጽር (ዋንነት) ክሳብ ዘይረኸበት፡ ፖለቲካዊ ናጽነታ ትርጉም የብሉን" ዝብል ዓቢ እምነት ነይርዎ። ንሱ ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ክቕይሮ ዝደለየ። 2️⃣ እቲ ናይ ኔቶ (NATO) ናይ ሓሶት ድሕነት፦ ኣብ 2011 ምዕራባውያን "ንሲቪላውያን ክንድሕን ኢና" ብዝብል ሽፋን ወተሃደራዊ ወራር ኣካይዶም። ውጽኢቱ ግን ንመንግስቲ ሊብያ ምውዳቕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሊብያ ፋሕ ክትብልን፡ ራዕድን ዘይምርግጋእን ድማ ናብ መላእ ኣፍሪቃ ክላባዕ ገይሩ። እቶም "መድሓንቲ" ኢና ዝበሉ ድማ ንዝፈጠርዎ ዕንወት ሓላፍነት ፈጺሞም ኣይወሰዱን። 3️⃣ እቲ ዘይሞተ ቃልሲ፦ ቃዛፊ ብኣካል ተፈልዩና እኳ እንተኾነ፡ እቲ ንሱ ዘበገሶ ዓበይቲ ሕቶታት—ብዛዕባ ምዝመዛ ምዕራባውያን፡ ሓድነት ኣፍሪቃን ዋንነት ጸጋታትናን—ግን ክሳብ ሎሚ ኣይሞተን። መደምደምታ፦ ብ 20 ጥቅምቲ 2011 ህይወቱ ኣጥፊኦምዋ እዮም፤ ነቲ ንሱ ዝኣመነሉ ቃልሲ ኣፍሪቃ ግን ፈጺሞም ኣየጥፍእዎን! ክብርን ሞጎስን ንሙዓመር ቃዛፊን ኩሎም ሰማእታት ሊብያን! ሊብያ ዳግማይ ትተንሥእ! ኣፍሪቃ ዕድላ ባዕላ ትወስን! 🌍🕊️ #MuammarGaddafi #Gaddafi #Libya #Africa #PanAfricanism
#duet with @ሓበሻ 🅱︎🅾︎🆈︎🥷🏻🌿 #welcomejhonblack #habeshatiktokhabeshan_tik_tok♥️♥️
Oasis@ (@king66.6) has 19.3K TikTok followers as of 2026-10-24.
.
Сотрудничество: / тг: hi_talalanov Регистрация РКН: clck.ru/3Pydiw
tag ar mention per like mile ga Dute per comment bi mile ga ar repost bi
Co-Founders of @izelbeauty_ 🤍 Business inquiries:
🔥ВИДЕО КАЖДЫЙ ДЕНЬ🔥 Сообщество ВК:
Goal 7 million 🍋 Bishkek/Kyrgyzstan